In the name of The Father, and of The Son and of The Holy Spirit, we welcome you to the website of XIRHA ZION St Mary Eritrean Orthodox Tewahdo Church Glasgow in the United Kingdom. We hope this website will give you an insight of the Eritrean Orthodox Church.
Navigate to learn about our services.
We invite you to join us and participate in various activities and programs of our Church
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
ታሪክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ብክቡር ደም ክርስቶስ ዝተመሥረተት ኣብ ትንቢት ነቢያትን ስብከት ሓዋርያትን ትምህርቲ ሊቃውንትን ዝተሓንፀት ጥንታዊት ቤተ ክርስቲያን እያ። ቅድሚ እምነተ ክርስቶስ ምቕባላ ብሕገ ኦሪት ትምራሕ ብኣምልኮተ እግዚአብሔር ትኣምን ነበረት። (ግብ. 8፡26-28) ኣብ ዘመነ ሓዲስ ድማ ድኅሪ ልደተ ክርስቶስ ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን፡ እቲ ስሉብ በዓል ሥልጣን ብሰሜናዊ ጫፍ ኣቢሉ ናብ ሃገርና እምነተ ክርስትና ኂዙ ኣተወ። (ግብ. 8፡26)
ምሥጢረ ሥጋዌ ማለት ካብ ሠለስተ ኣካላት ሓደ ኣካል ወልደ እግዚአብሔር ብፍሉይ ኣካሉ ሥጋ ዝለበሰሉን ሰብ ዝኾነሉን ምሥጢር እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ.
‘ጥምቀት’፦ ካብ ‘አጥመቀ’ ዝብል ግእዛዊ ልሳን ዝተረኽበ ኮይኑ መላእ ሰብነትካ ብማይ ምሕጻብ ማለት እዩ። ጥምቀት፡ ባዕሉ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ.
‘ቍርባን’፦ ማለት መንፈሳዊ ኣምኃ፣ መሥዋዕት፣ መባእ . . . ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ዝቐርብን ዝወሃብን እዩ። ኣብ ዘመነ ብሉይ፡ ንእግዚአብሔር ዝቐርብ መሥዋዕቲ.
ከምዝፍለጥ ጾም ማለት ካብ ዝብላዕን ዝስተን ንዝተወሰነ ሰዓታት ወይ መዓልትታት ተኸልኪልና ኃይለ ፍትወተ ሥጋና ነዳኽመሉ፡ ሥጋና ንነባቢት ነፍሲ እነግዝኣሉ፡ ንሥጋና ብመንፈሳዊ ልጓም እንኣሥረሉ፡ ካብ ክፉእ ተግባር ዘበለ እንርኅቐሉ ጸጋን በረኸትን እንረኽበሉ አንቀጸ ጽድቅ እዩ።
ቅድም ሔዋን ምክንያተ ስሕተት ኮይና ኣብ ባህርይ ሰብ መርገመ ሥጋን መርገመ ነፍስን ሠሪፁ፡ ኣፍ ደገ ገነት ተዓጽዩ ነበረ። በዚ ኸኣ ደቀ ተባዕትዮ ንደቀ ኣንስትዮ፥ “ብሰንክኽን ካብ ገነት ወፂእና፣ ሞት መጺእና. . . ” እናበሉ ይወቕስወንን ይምክሑለን ነበሩ። ደኃር ግና ፈዳዪተ ዕዳሃ ለሔዋን ዝኾነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላኽ ብምዃና መመክሒት ኵለን ደቀ ኣንስትዮ ኮነት።
ኣብ ምድረ እስራኤል፡ ካብ ባሕሪ ገሊላ ንሸነክ ምዕራብ ዝርከብ እምባ እዩ። ቅዱስ ወንጌል (ማቴ. 17፡1-13) ከም ዝነግረና፡ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ነቶም ኣዕኑድ ቤተ ክርስቲያን ዝበሃሉ ሠለስተ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ዝኾኑ ቅዱስ ጴጥሮስን ደቂ ዘብዴዎስ ቅዱስ ያዕቆብን ቅዱስ ዮሓንስን ኣኸቲሉ ናብዚ እምባ እዚ ምስ ደየበ፡
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
ቅዱሳን ሓዋርያት: ብኸመይ ከም እተጸውዑን ክሳዕ ዕርገት ዝነበርዎ ኵነታትን ኣብ ኣርባዕቱ ወንጌል፡ ድኅሪ ዕርገትን ክሳዕ መጀመርያ ስሳታትን ከኣ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ተጻሒፉ ይርከብ። ብሰፊሑ ታሪኽን ገድልን ሓዋርያት ንምፍላጥ ግና እቲ እንኮ ምንጪ ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ዝርከቡ መጻሕፍቲ ታሪኽ እዮም።
ስለዚ ካብዞም ዝተጠቕሱ ቅዱሳት መጻሕፍቲ መወከሲ ብምግባር ናይ ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን ታሪኽን ገድልን ብኸፊሉ ከነቕርብ ኢና እሞ በረከተ ኣምላኩ ምስ ኵልና ይኹን!
ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ዓሌቱ ዕብራዊ ኾይኑ ኣብ ከተማ ጠርሴስ ተወሊዱ። ሮማውያን ነቶም ኣብ ትሕቲኦም ዚመሓደሩ ሕዝቢ፡ ሮማዊ ዜግነት ይህቡ ስለዝነበሩ፡ ብኣቦኡ ሮማዊ ዜግነት ነበሮ። (ፊል. 3፡5)።ቅዱስ ጳውሎስ፡ ካብቲ በቲ ዘመን ፍሉጥ ዝነበረ ፈሪሳዊ ምሁረ ኦሪት ሊቅ ገማልያል፡ ንዅሉ ሕግን ሥርዓትን ኣይሁድ ብርቐትን ዕምቈትን ኣጽንዐ። በታ ኦሪታዊት እምነቱ ቀናእ ፈሪሳዊ ብምዃን ንክርስቲያናት ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ይቃወም ነበረ። ብፍላይ እኳ ሊቀ ዲያቆናት እስጢፋኖስ ወንጌል ብምስባኹ ገበን ተቘጺሩ ብኽሲ ኣብ ባይቶ ኣይሁድ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ጸኒዑ ዝተኸራኸሮን ብዳርባ እምኒ ተቐጥቂጡ ብሰማዕትነት ኪኃልፍ ከሎ ኽዳውንቲ ቀተልቲ ይሕሉ ነበረ። (ግብ. 7፡58)
መጽሓፍ መልክዐ ማርያም ኣብ መበል 15 ክፍለ ዘመን ዝተደርሰ፡ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ምሉእ ናይ ውሽጥን ኣፍኣን ሕዋሳታ እናጠቐሰ፡ መጻሕፍተ ብሉያትን ሓዲሳትን ዘመሣጥር፡ ልክዕ ከም ዕድመ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም 64 ነናይ ኃሙሽተ ቤት ዘለዎ ምስጋና ድንግል ማርያም እዩ። ሓደ ካብዚ
ሰላም ለፍልሰተ ሥጋኪ መካነ ፍሥሓ ምጡቀ፣
በአእባነ ባሕርይ ዘተነድቀ፣
ማርያም ደብተራ እንተ ኢትትከደኒ ሠቀ፣
ጽሒፈ ውዳሴኪ እምኢኀልቀ ሶበ ኮነ ጥቀ፣
ዝናመ ክረምት ቀለመ ወሰማይ ረቀ።