ምሥጢረ ሜሮን

‘ሜሮን’፡ ድኅሪ ሥርዐተ ጥምቀት ዚፍጸም ጸጋ እግዚአብሔር ንምእመናን ዝወሃበሉ “ቅዱስ ቅብኣት” እዩ። ብዝርአ ኣገልግሎት ምቕባእ፡ ነቲ ዘይርአ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ስለዘውህብ ምሥጢረ ሜሮን ይበሃል። እዚ ምሥጢር’ዚ ድኅሪ ምሥጢረ ጥምቀት ዚፍጸምን ንእኡ ዘጽንዕን ብምዃኑ ዘይድገም ምሥጢር እዩ። ከምኡ’ውን ሓድሽ ጽላት፡ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ሓደስቲ ንዋየ ቅድሳትን ኣሣእልን ምእንቲ ኪቕደሱ ቅብኣ ሜሮን ይቕብኡ እዮም። ቅዱስ ቅብኢ ሜሮን ካብ […]

ምሥጢረ ንስሓ

“ጻድቅ ሾብዓተ ሳዕ ይወድቕ ሾብዓተ ሳዕ ከኣ ይትንሥእ” (ምሳ. 24፡16) ንስሓ ማለት ብዝሠርሕዎ ኃጢኣት ምጥዓስ ናብ ገቢረ ኃጢኣት ዘይምምላስ እዩ። “ሰብ ኮይኑ ዘይእብስ ዕንጨይቲ ኾይኑ ዘይነክስ የልቦን” ከምዝተባህለ ቅዱስ ዮሓንስ ሓዋርያ ውን ኣብ መልእኽቱ “ኃጢኣት የብልናን እንተ በልና ንርእስና ንጥብር ኣሎና እታ ሓቂ’ውን ኣባና የለን” ከምዝበለ ክርስቲያን ብኃጢኣት እንተወደቐ ኃጢኣት ኣብ ልዕሊ ኃጢኣት፡ በደል ኣብ […]

ምሥጢረ ክህነት

ምሥጢረ ክህነት ዓቢይ ምሥጢር’ዩ። ናይ ምእሳርን ምፍታሕን ሥልጣን ዘለዎ፣ ነቶም ካልኦት ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ዘኽብር . . . እግዚአብሔር ዝመሥረቶ እዩ። ‘ካህን’፦ ማለት ኣገልጋሊ እግዚአብሔር ፣ ናይ ሕዝቢ መንፈሳዊ መራሒ፣ መምህር፣ ኣቦ እዩ። ‘ክህነት’ ዝብል ከኣ ካህን ምዃን፣ መንፈሳዊ ሢመት ምቕባል፡ ምግልጋል የመልክት። ሥልጣነ ክህነት፦ ንኵሉ ብክርስቶስ ኣሚኑ ንዝተጠምቀ ክርስቲያን ዝዕደል መንፈሳዊ ሢመት ዘይኮነስ ብፍቃደ […]

ምሥጢረ ቀንዲል

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ እትግልገለሎም ሾብዓተ ምሥጢራት፡ እቲ ሓደ ምሥጢረ ቀንዲል እዩ። እዚ ምሥጢር’ዚ ነቲ ካብ ጽሩይ ተኽሊ ኣውሊዕ ዝተረኽበ ዘይቲ ተቐዲሱን ከቢሩን ኣብ ሕሙማን ብምቕባእ ዝፍጸም ምሥጢር እዩ። ቀንዲል፦ ድኅነተ ሥጋን ድኅነተ ነፍስን፡ ፈውሰ ሥጋን ፈውሰ ነፍስን ዘውህብ ቅዱስ ቅብኢ እዩ። እዚ ኸኣ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመሥረቶ ቅዱሳን ሓዋርያት ዝመሃርዎን ዝሠርሕሉን መጽሓፍ ቅዱሳዊ […]

ምሥጢረ ተክሊል

ብቓል ኪዳንን ቡራኬን፡ ብጸሎተ ተክሊልን ሥጋኡን ደሙን ክልተ ዝነበሩ ዓቅመ ኣዳም ዝበጽሐ ወዲ ተባዕታይን ዓቅመ ሔዋን ዝበጽሐት ጓል ኣንስተይትን ሓደ ዝኾንሉ ምሥጢር፡ ምሥጢረ ተክሊል ይበሃል። “እዚ ምሥጢር’ዚ ዓቢይ እዩ” (ኤፌ. 5፡32) ከምዝብል ብጸሎተ ተክሊልን ጸሎተ ቅዳሴን ዝፍጸም፣ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዘውህብ፡ ብምስክርነት ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸም ክርስቲያናዊ መርዓ እዩ። ንጸሎተ ተክሊል ተኸቲሉ ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተሠርዐ […]

ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን

ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን ትንሳኤ ማለት ምትንሳእ ንላዕሊ ምዕራግ ማለት እዩ። ስለዚ ትንሳኤ ሙታን ማለት ሙታን  ብሓይሊ ኣምላኽ ካብ ምውታት ተፈሊኻ ናብ ናይ ዘለኣለም ቦታኻ ምኻድ ማለት እዩ። ትንሳኤ ሙታን ማለት እተን ተፈላልየን ዝጸንሓ ነብስን ስጋን ዳግማይ ተዋሃሂደን ናብ ትንሳኤ ሕይወት/ሞት ምኻድ እዩ። ቦኹሪ ትንሳኤ ሙታን ጋህዲ ትንሳኤ ሙታን እቲ ብኢድ ኣይሁድ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ዝተሰቕለ፥ […]

ምስጢረ ቍርባን

ምስጢረ ቍርባን ቁርባን ማለት ቃል ብቓሉ መንፈሳዊ ህያብ፥ ንኣምላኽ ዝወሃብ ውህብቶ፥ ሞባእ፥ ዝውፈ ገንዘብ  ማለት እዩ። ምስጢረ ቁርባን ማለት ካህን ነቲ ሕብስቲ ኣብ ጻሕሊ ነቲ ወይኒ እውን ኣብ ጽዋእ ኣንቢሩ ጸሎት ቁርባን ኣብ ዝገብረሉ ግዜ እቲ ሕብስቲ ስጋ ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ እቲ ወይኒ እውን ደም  ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ይኸውን እሞ ንሕና እውን ዘለኣለማዊ […]

ምስጢረ ስላሴ

ምስጢረ ስላሴ ስላሴ ማለት ሰለስተ ሙዃን ወይ ከኣ ፍሉይ ሰለስትነት ማለት እዩ። ምስጢረ ስላሴ ክበሃል እንከሎ ናይ እግዚኣብሄር ሓድነቱን ኣብ ሓድነቱ ዘሎ ፍሉይ ናይ ሰለስትነቱ ምስጢርን እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሓደ ክኸውን እንከሎ ኣብ ሓድነቱ ፍሉይ ሰለስትነት ኣለዎ። ፍሉይ ሰለስትነት ዘብሎ ምኽንያት ከኣ እዚ እዩ። ምኽንያቱ ሰለስተ ጥራይ ኢልና ስቕ ኣይንብልን ኢና። ሰለስተ እንከለው ሓደ ሓደ […]

ምስጢረ ስጋዌ

ምስጢረ ስጋዌ ስጋዌ ፥ ተሰገወ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝወጸ ክኸውን እንከሎ  ስጋ ኮነ ማለት እዩ። ምስጢረ ስጋዌ ሓደ ካብ ሰለስተ ኣካላት ናይ ስላሴ እግዚኣብሄር ወልድ ሰብ ናይ ምዃኑ ምስጢር እዩ። ሰብ ኮነ ናይ ሰብ ባህርያት ስጋን ነፍስን ምስቲ ረቅቕ ባህርያት ኣምላኽ ተወሃሃደ። ኣምላኽ ንምንታይ ሰብ ኮነ? እግዚኣብሄር ንዳምን ንሄዋንን ቃል ኪዳን ብዝኣተወሎም መሰረት ቃል […]

The Eritrean Orthodox Church

The six Oriental Orthodox Churches — Eritrean, Coptic, Syrian, Armenian, Ethiopian and the (Indian) Malankara — are in communion with each other and are also called ancient Oriental, lesser Eastern, and pre- or ante-Chalcedonian churches. They are the churches of the first three ecumenical councils (Nicea, Constantinople and Ephesus) and do not accept Chalcedon (451). […]

Scroll to top