ምሥጢረ ሜሮን

‘ሜሮን’፡ ድኅሪ ሥርዐተ ጥምቀት ዚፍጸም ጸጋ እግዚአብሔር ንምእመናን ዝወሃበሉ “ቅዱስ ቅብኣት” እዩ። ብዝርአ ኣገልግሎት ምቕባእ፡ ነቲ ዘይርአ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ስለዘውህብ ምሥጢረ ሜሮን ይበሃል። እዚ ምሥጢር’ዚ ድኅሪ ምሥጢረ ጥምቀት ዚፍጸምን ንእኡ ዘጽንዕን ብምዃኑ ዘይድገም ምሥጢር እዩ። ከምኡ’ውን ሓድሽ ጽላት፡ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ሓደስቲ ንዋየ ቅድሳትን ኣሣእልን ምእንቲ ኪቕደሱ ቅብኣ ሜሮን ይቕብኡ እዮም። ቅዱስ ቅብኢ ሜሮን ካብ […]

ምሥጢረ ንስሓ

“ጻድቅ ሾብዓተ ሳዕ ይወድቕ ሾብዓተ ሳዕ ከኣ ይትንሥእ” (ምሳ. 24፡16) ንስሓ ማለት ብዝሠርሕዎ ኃጢኣት ምጥዓስ ናብ ገቢረ ኃጢኣት ዘይምምላስ እዩ። “ሰብ ኮይኑ ዘይእብስ ዕንጨይቲ ኾይኑ ዘይነክስ የልቦን” ከምዝተባህለ ቅዱስ ዮሓንስ ሓዋርያ ውን ኣብ መልእኽቱ “ኃጢኣት የብልናን እንተ በልና ንርእስና ንጥብር ኣሎና እታ ሓቂ’ውን ኣባና የለን” ከምዝበለ ክርስቲያን ብኃጢኣት እንተወደቐ ኃጢኣት ኣብ ልዕሊ ኃጢኣት፡ በደል ኣብ […]

ምሥጢረ ክህነት

ምሥጢረ ክህነት ዓቢይ ምሥጢር’ዩ። ናይ ምእሳርን ምፍታሕን ሥልጣን ዘለዎ፣ ነቶም ካልኦት ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ዘኽብር . . . እግዚአብሔር ዝመሥረቶ እዩ። ‘ካህን’፦ ማለት ኣገልጋሊ እግዚአብሔር ፣ ናይ ሕዝቢ መንፈሳዊ መራሒ፣ መምህር፣ ኣቦ እዩ። ‘ክህነት’ ዝብል ከኣ ካህን ምዃን፣ መንፈሳዊ ሢመት ምቕባል፡ ምግልጋል የመልክት። ሥልጣነ ክህነት፦ ንኵሉ ብክርስቶስ ኣሚኑ ንዝተጠምቀ ክርስቲያን ዝዕደል መንፈሳዊ ሢመት ዘይኮነስ ብፍቃደ […]

ምሥጢረ ቀንዲል

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ እትግልገለሎም ሾብዓተ ምሥጢራት፡ እቲ ሓደ ምሥጢረ ቀንዲል እዩ። እዚ ምሥጢር’ዚ ነቲ ካብ ጽሩይ ተኽሊ ኣውሊዕ ዝተረኽበ ዘይቲ ተቐዲሱን ከቢሩን ኣብ ሕሙማን ብምቕባእ ዝፍጸም ምሥጢር እዩ። ቀንዲል፦ ድኅነተ ሥጋን ድኅነተ ነፍስን፡ ፈውሰ ሥጋን ፈውሰ ነፍስን ዘውህብ ቅዱስ ቅብኢ እዩ። እዚ ኸኣ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመሥረቶ ቅዱሳን ሓዋርያት ዝመሃርዎን ዝሠርሕሉን መጽሓፍ ቅዱሳዊ […]

ምሥጢረ ተክሊል

ብቓል ኪዳንን ቡራኬን፡ ብጸሎተ ተክሊልን ሥጋኡን ደሙን ክልተ ዝነበሩ ዓቅመ ኣዳም ዝበጽሐ ወዲ ተባዕታይን ዓቅመ ሔዋን ዝበጽሐት ጓል ኣንስተይትን ሓደ ዝኾንሉ ምሥጢር፡ ምሥጢረ ተክሊል ይበሃል። “እዚ ምሥጢር’ዚ ዓቢይ እዩ” (ኤፌ. 5፡32) ከምዝብል ብጸሎተ ተክሊልን ጸሎተ ቅዳሴን ዝፍጸም፣ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዘውህብ፡ ብምስክርነት ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸም ክርስቲያናዊ መርዓ እዩ። ንጸሎተ ተክሊል ተኸቲሉ ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተሠርዐ […]

ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን

ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን ትንሳኤ ማለት ምትንሳእ ንላዕሊ ምዕራግ ማለት እዩ። ስለዚ ትንሳኤ ሙታን ማለት ሙታን  ብሓይሊ ኣምላኽ ካብ ምውታት ተፈሊኻ ናብ ናይ ዘለኣለም ቦታኻ ምኻድ ማለት እዩ። ትንሳኤ ሙታን ማለት እተን ተፈላልየን ዝጸንሓ ነብስን ስጋን ዳግማይ ተዋሃሂደን ናብ ትንሳኤ ሕይወት/ሞት ምኻድ እዩ። ቦኹሪ ትንሳኤ ሙታን ጋህዲ ትንሳኤ ሙታን እቲ ብኢድ ኣይሁድ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ዝተሰቕለ፥ […]

ምስጢረ ጥምቀት

ምስጢረ ጥምቀት ጥምቀት ፥ ኣጥመቀ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝወጸ ክኸውን እንከሎ ምጥላቕ ኣብ ማይ ምእላኽ ማለት እዩ። ጥምቀት ናይ ስላሴ ውሉድነት ንቕበለሉን ናይ ሓጢኣት ስርየት ንረኽበሉን ምስጢር እዩ። ናይ ጥምቀት ኣድላይነት፥ጥቕሚ። ብጥምቀት ንድሕን ማር 16:16 ። ብጥምቀት ካብ ማይን መንፈስ ቅዱስን ዳግማይ ንውለድ። መጀመርያ ብስጋ ንውልውድ። እቲ ካልኣይ ብጥምቀት ዝርከብ መንፈሳዊ ልደት እዩ። ዮሃ […]

Scroll to top